ትግርኛ (Tigrinya)

ቆልዓይ ሓሚሙ – ሓገዝ ኣበይ ክረክብ እኽእል፧

ሰላም! እዚ መልእኽቲ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ናይ ርክብ ቦታታት ንሕሙማት ህጻናት ኣብ Basel-Stadtን Basellandን እዩ። 4 ሕቶታት ተጠቒመ እቲ ህጻን ኣበይ ትኽክለኛ ሓገዝ ከም ዝረክብ ከርእየኩም እየ።

 ህጻንካ ሓሚሙ ድዩ እቲ ህጻን ናብ ሓኪም ክኸይድ ኣለዎ ድዩ ኣየድልዮን ርግጸኛ ኣይኮንካን፧

ናብ ፋርማሲ ትኸይድ። ብዛዕባ መድሃኒታት ሕክምናዊ ጉዳያት ወይ ሕቶታት እንተሃልዩካ ሰራሕተኛታት ክመኽሩኻ ይኽእሉ። ነዚ ቆጸራ ኣየድልየካን እዩ። ኣብተን ፋርማሲታት ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ይዝረቡ።

ናብ ኣገልግሎት ምኽሪ ወለዲ እውን ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም። እቶም ኣማኸርቲ ብሕክምና ዝሰልጠኑን ዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝዛረቡን እዮም። ውላድካ ብኸመይ ዝበለጸ ደገፍ ክረክብ ከም ዝኽእል ምሳኻ ክዛተዩ እዮም። ብዛዕባ ልምዓትን ትምህርትን ብዝምልከት ሕቶታት እውን ይሕግዙ። ቁጽሪ ተሌፎንን ኣድራሻታትን ምኽሪ ወለዲ ኣብ www.meinkindistkrank.ch ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ህጻንኩም ናብ ተባዕታይ ሓኪም ወይ ኣንስታይ ሓኪም ክትወስድዎ ትደልዩ ዲኹም፧

ድሕሪኡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሓኪም ህጻናትካ ቆጸራ ውሰድ። ነቲ ቆጸራ ብተሌፎን ክትገብርዎ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ህጻን ናብ ሓኪም ክኸይድ ኣለዎ ድዩ የብሉን ብተሌፎን እውን ክትሓትት ትኽእል። ገና ሓኪም ህጻናት እንተዘይብልካ፡ ምኽሪ ወለዲ ቤት-ጽሕፈት ሓኪም ንክትረክብ ክሕግዙኻ ይኽእሉ።

እቲ ወይ እታ ሓኪም ህጻናት ኣንተዘይርከቡ ኮይኖም ህጻንካ ናብ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ክኸይድ ኣለዎ ድዩ ኣይድልዮንን ርግጸኛ ኣይኮነን ዲኻ፧

ሽዑ ናብ Medizinische Notrufzentrale ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም። ብተሌፎን ብነጻ ክመኽሩኻ እዮም፡ ለይትን ቀዳመ-ሰንበትን ዕረፍቲን ሓዊስካ ድማ 24 ሰዓት ኩሉ ግዜ ይርከቡ። ቁጽሮም ድማ 061 261 15 15 እዩ።

ህጻንካ ክጽበ ዘይክእል ሕክምናዊ ጸገም ኣለዎ ድዩ፧

ሽዑ ናብ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ኣብ Universitäts-Kinderspitals UKBB ትኸይድ። እቲ ጸገም ከቢድ እንተዘይኮይኑ ናብ ቤት ጽሕፈት ሓኪም ህጻናት ደውሉ።

ህጻንካ ኣብ ንህይወቱ ድንገታዊ ዝኾነ ኩነታት ኣትዩ ድዩ፧ 

ሽዑ ብቐጥታ ናብታ ኣምቡላንስ ብቑጽሪ 144 ደውሉ።

 

ኩሎም ኣድራሻታትን ሓበሬታታትን ኣብ www.meinkindistkrank.ch 16 ቋንቋታት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ንዓኹምን ንህጻንኩምን ኩሉ ሰናይ ክምነየልኩም ደልየ።

ቆልዓይ ረስኒ ኣለዎ

እንታይ ክገብር እኽእል፧ መዓስ ናብ ሓኪም ክኸይድ ኣለኒ፧

ሰላም! እዚ መልእኽቲ ብዛዕባ ኣርእስቲ ረስኒ ኣብ ህጻናት እዩ። ህጻን ረስኒ እንተለዎ ናብ ሓኪም ክኸይድ ኣብ ዘድልዮ እዋንን እንታይ ክትገብሩ ከም እትኽእሉ ምኽርታት ክህበኩም እየ።

ሓደ ህጻን ሙቐት ኣካላቱ ልዕሊ 38.5 ዲግሪ ሴንቲግሬድ እንተኾይኑ ረስኒ ኣለዎ። ትሕቲ 3 ወርሒ ንዝኾኑ ህጻናት ድማ ካብ 38 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ይጅምር። ረስኒ ምስ ዝህሉ እቲ ቆልዓ ቀይሕ ምዕጉርቱን ውዑይ ግንባርን ኣለዎ። መብዛሕትኡ ግዜ ምፍሳስ ኣፍንጫ ወይ ካልእ ምልክት እውን የርኢ። ረስኒ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ሓደገኛ ኣይኮነን። ኣካላትና ጥዑይ ንክኸውን ይሕግዝ።

ንውላድኩም ረስኒ እንተለዎ በዘን 5 ምኽርታት ክትሕግዙ ትኽእሉ ኢኹም፤

  1. ንውላድካ ብዙሕ ማይን ሻሂን ሃቦ። ንሓደስቲ ዝተወልዱ፡ ጸባ ጡብ ወይ ጸባ ሓርጭ።
  2. ውላድካ ብዙሕ ኣደቅሶ።
  3. ቆልዑ ቀሊል ኣከዳድና ጥራይ ይኽደኑ። ብዙሕ ክዳን ወይ ኮበርታ ክግበ የብሉን።
  4. ንህጻናት ዝኸውን ፍሉይ መድሃኒት ረስኒ ኣሎ። ኣየኖት መድሃኒታት ንውላድካ ጽቡቓት ምዃኖም ንፋርማሲ ሕተቶ።
  5. ንውላድካ ብዙሕ ኣቓልቦ ሃቦ። ንኣብነት ንውላድካ ገለ ነገር ከተንብበሉ ትኽእል ኢኻ።

ንውላድካ ናብ ሓኪም ክትወስዶ ከምዘለካ ርግጸኛ ኣይኮንካን ዲኻ፧ ሓደ ህጻን ኣብዞም ዝስዕቡ 8 ኩነታት ሓኪም የድልዮ፤

  1. እቲ ህጻን ረስኒ ከለዎ ትሕቲ 3 ወርሒ እዩ።
  2. እቲ ረስኒ ድሕሪ 4 መዓልቲ ዝሓሸ ኣይኮነን።
  3. እቲ ረስኒ ብመድሃኒት ክቕንስ ኣይክእልን እዩ።
  4. እቲ ህጻን ኣዝዩ ደኺሙ ኣሎ። ዳርጋ ምላሽ ኣይህብን እዩ ነቲ ቆልዓ ከተበራብሮ ድማ ኣጸጋሚ እዩ።
  5. እቲ ህጻን ኣይሰትን ርጥብ ዝበለ ዳያፐር እውን የብሉን።
  6. እቲ ቆልዓ ርእሱ ንቕድሚት ከንቀሳቀስ ኣይክእልን ወይ ድማ ንምትንካፍ ተሃዋሲ እዩ።
  7. እቲ ህጻን ቀይሕ ነጥብታት ዘለዎ ዕንፍሩር የማዕብል። እዚኦም ክጭፍለቑ ኣይክእሉን።
  8. እቲ ህጻን ናይ ረስኒ ኩምታረ ጭዋዳ ኣለዎ። ሽዑ ጭዋዳታት ይንቀጥቀጡ፣ እቲ ህጻን ሕልንኡ ይስእን ወይ ኣዒንቱ ይጠውዮ።

 

እንታይ ከም እትገብሩ ርግጸኛታት ኣይኮንኩምን፧ ንማእከል ምኽሪ ወለዲ ወይ ናብ ቤት ጽሕፈት ሓኪም ህጻናት ተወከሱ። ኩሎም ኣድራሻታትን ቁጽርታት ተሌፎንን ኣብ www.meinkindistkrank.ch ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ንዓኹምን ንውላድኩምን ሰናይ ክምነየልኩም ደልየ!

ቆልዓይ ሰዓል ሒዝዎ

እንታይ ክገብር እኽእል፧ መዓስ ናብ ሓኪም ክኸይድ ኣለኒ፧

ሰላም! እዚ መልእኽቲ ብዛዕባ ኣርእስቲ ሰዓል ኣብ ህጻናት እዩ። ሰዓል እንተ ኣጋጢሙ ሓደ ቆልዓ ናብ ሓኪም ክኸይድ ኣብ ዘድልዮ እዋንን እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ምኽርታት ክህበካ እየ።

ሰዓል መስመራት ኣየር ንምጽራይ መከላኸሊ እዩ። ጎሮሮ ይነድድ እሞ ኣብ ኣፍንጫ ልፋጭ ይፍጠር። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ቆልዓ ሰዓል ወይ ጉንፋዕ ስለዘለዎ እዩ ዝስዕል።

እዘን 4 ምኽርታት ንውላድካ ምስ ሰዓል ክሕግዛኦ ይኽእላ እየን፤

  1. ንውላድካ ብዙሕ ዝስተ ሃቦ። ምስታይ ንጎሮሮና ከህድእ፡ ልፋጭ ክፈትሕን ነቲ ናይ ምስዓል ድሌት ከቃልልን ይኽእል።
  2. ሓድሽ ኣየር ንክኣቱ ብዝተደጋገሚ መስኮት ክፈት። ርሑስ ዝበለ ኣየር እውን ክሕግዝ ይኽእል እዩ። ንኣብነት መንጸፍ/ሽጎማኖ ኣጥሊልካ ኣብ ልዕሊ ራድየተር ክትሰቕሎ ትኽእል ኢኻ።
  3. ውላድካ ብዙሕ ኣደቅሶ። ላዕለዋይ ክፋል ኣካላት ናይቲ ህጻን ኣልዕሎ፣ ንኣብነት ትሕቲኡ ፍርናሽ ብምንባር። እዚ ድማ ምትንፋስን ድቃስን የቐልል።
  4. ንውላድካ ብዙሕ ኣቓልቦ ሃቦ። ንኣብነት ንውላድካ ገለ ነገር ከተንብበሉ ትኽእል ኢኻ።

ንውላድካ ናብ ሓኪም ክትወስዶ ከምዘለካ ርግጸኛ ኣይኮንካን ዲኻ፧ ውላድካ ኣብዞም 5 ዝስዕቡ ኩነታት ሓኪም የድልዮ፤

  1. እቲ ህጻን ብብዝሒ የስተንፍስ፣ ቀልጢፉ ወይ ድማ “ፍሕፍሕ” ዝብል ምስትንፋስ ኣለዎ።
  2. እቲ ህጻን ድሮ 4 መዓልትታት ጌሩ ሰዓልን ረስኒን ሒዙ።
  3. እቲ ቆልዓ ከስተንፍስ ከሎ ቃንዛ ኣለዎ።
  4. እቲ ሰዓል ልዕሊ 14 መዓልታት ይጸንሕ።
  5. እቲ ቆልዓ ደኺሙ፣ ድሕሪ ሕጂ ክጻወት ኣይደልን እዩ።

 

እንታይ ከም እትገብሩ ርግጸኛታት ኣይኮንኩምን፧ ንማእከል ምኽሪ ወለዲ ወይ ናብ ቤት ጽሕፈት ሓኪም ህጻናት ተወከሱ። ኩሎም ኣድራሻታትን ቁጽርታት ተሌፎንን ኣብ www.meinkindistkrank.ch ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ንዓኹምን ንውላድኩምን ሰናይ ክምነየልኩም ደልየ!

“ውላደይ ሓሚሙ ኣነ ድማ ክሰርሕ ኣለኒ – እንታይ ክገብር ኣለኒ”

ሰላም! እዚ መልእኽቲ እዚ ብዛዕባ ምሕብሓብ ዝሓመሙ ህጻናት ንዝቐርቡ ሕቶታት ዝምልስ እዩ። ዝሓመመ ቆልዓ ከም ወላዲ ኣዝዩ ጸቕጢ ክገብረልካ ይኽእል እዩ፡ ብዙሕ ውዳበ ድማ ይሓትት። ኣብዚ ብዛዕባ ሰለስተ ኣርእስታት ሓበሬታ ክትረኽቡ ኢኹም።

  1. ኣብ መዓልታዊ መዕበዪ ህጻናትን ኣብያተ ትምህርትን ንሕማም ምግጣም
  2. ብዛዕባ ኣብ ስራሕ ዘለካ መሰላትን
  3. ብዛዕባ ናይ ደገፍ ቅድመ-ምድላዋት ክንክንን

ውላደይ ሓሚሙ ኣሎ። ሕጂ ውን ናብ መዓልታዊ መዕበዪ ህጻናት ወይ ቤት ትምህርቲ ክኸይድ ይኽእል ዶ፧

ውላድካ ናብ ቤት ትምህርቲ ወይ መዓልታዊ መዕበዪ ህጻናት ክምለስ ዝፍቀደሉ ን24 ሰዓታት ሰዓል እንተዘይሃልይዎ ጥራይ እዩ። ይኹን እምበር፡ ንገለ ሕማማት ፍሉይ ሕግታት ይምልከት። ልክዕ ለበዋታት ዘለዎ ወረቐት ይርከብ ኣብ www.meinkindistkrank.ch

ንባዘል-ስታድ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም፡ leitung-infekt-kranken-2024.pdf (bs.ch)

ንባዘል-ላንድ: መምርሒታት (webcloud7.ch)

ውላደይ ሓሚሙ ኣነ ድማ ክሰርሕ ኣለኒ። እንታይ ኣማራጺ ኣለኒ?

እቲ ሕጊ ከም ኣደ ወይ ኣቦ መጠን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕማም እንተበዝሐ ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ገዛ ክትጸንሕ ንውላድካ ክትከናኸን ከም እትኽእል ይገልጽ። ኣብዘን ሰለስተ መዓልታት ምቹእ ክንክን ክትውድብ ክትፍትን ኣለካ። እቲ ቆልዓ ንነዊሕ እዋን እንተሓሚሙን ካልእ ክንክን እንተዘይተረኺቡን፡ ምስ ኣስራሒኻ ክትዛረብ ኣለካ ፡ ምናልባት ድማ ናይ ዕረፍቲ መዓልታት ወይ ተወሳኺ ሰዓት ክትጥቀም ኣለካ።

ናይ ሓኪም መዘኻኸሪ ከድልየካ ይኽእል እዩ። ኣብ ትካልካ ኣየኖት ደንብታት ከም ዝምልከቱ ንኣስራሒኻ ሕተቶ።

ክሰርሕ ኣለኒ ንውላደይ ክከናኸን ዝኽእል ሰብ የለን። እንታይ ኣማራጺ ኣለኒ፧

ቀይሕ መስቀል ስዊዘርላንድ ናብ ገዛኻ ዝመጹ ዝሰልጠኑን ምኩራትን ሰራሕተኛታት የቕርብ። ውላድካ ይእለን ይሕብሕብን እዩ። እቶም ሰራሕተኛታት ምሳኻ ብምምኽኻር መግቢ የዳልዉ፣ ምስ ውላድካ ይጻወቱን መድሃኒት ይህቡን። እዚ ቅድመ-ምድላው ክሳብ 12 ዓመት ንዝዕድሚኦም ህጻናት ዝሰርሕ ኮይኑ ክፍሊት ይኽፈል። ገለ ትካላት መድሕን ጥዕና ነዚ ወጻኢታት ይሽፍናኦ። ንናይ ጥዕና መድሕን ትካልካ ሕተቶ። እቲ ርክብ ካብ ቀይሕ መስቀል ስዊዘርላንድ ኣብ www.meinkindistkrank.ch ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ቀይሕ መስቀል ባዘል-ስታድ፡ 061 319 56 51 https://www.srk-basel.ch/entlastung-1/familienentlastung
ቀይሕ መስቀል ባዝል-ላንድ ፡ 061 905 82 19፣ https://www.srk-baselland.ch/fuer-sie-da/entlastung/familienentlastung

ንዓኹምን ንውላድኩምን ሰናይ ይምነየልኩም!